ፖለቲካ ንተበሃጊ/ተናፋቒ መጻኢ

ፖለቲካ ንተበሃጊ/ተናፋቒ መጻኢ

ዞባ የቭለቦሪ ኣብ ሓምላይ መድረኽ ቀዳማይ ቦታ ክትሕዝ እያ። እዚ ድማ ንብምሎኦም ነበርቲ ናይዚ ዞባዝን ትካላትን ኣብ ከተማ ይኹን ኣብ ገጠር ድሓን ዝበሃል ተኽእሎታት ክፈጥር እዩ።

ንክሊማ ብዘይጎድኣ ኣገባብ ተጐዓዝ!
ዘለቔታ ዘሎዎም ጕዕዞታትን መጐዓዝያታትን ንክሊማ ዘማእከለ ለውጢ ኣብ ምምጻእን ጸጋታቱ ብብቕዓት ንኽጥቀመሎም ዝኽእል ሕብረተ-ሰብ ንክህሉ ይገብር

  • ንምሉእ የቭለቦሪ ካብ ዝዕደኑ ነደድቲ (በንዚን፣ናፍታን ሕመትን ወዘተ)ናጻ ምግባር
  • ተግባርውያን ህዝባውያን መጐዓዝያታትን ጽዑቕ ጕዕዞታትን
  • ንዝበዝሑ ሰባት ብብሽክለታ ንኽጐዓዙ ተኽእሎታት ምፍጣር
  • ብመካይን ብሓባር ናይ ምጕዓዝ መስርሕን ዝካረያ ብሽክለታትን ኣካላት ናይ ህዝባዊ መጐዓዝያ ምግባሮም
  • ኣድላይነት ምⶖዓዝን መጓዓዝያታትን ምጕዳል/ምቕናስ-ኣገልግሎት ዝህቡ ኣካላት ምሕያል ኣብ ምሉእ ዞባ

ባዮሎጂካዊ ምትዕጽጻፍ
ሃምላይ ሰልፊ ናይ ዞባ የቭለቦሪ ቀጻልነት ዘለዎ ሕብረተ-ሰብ እዩ ክፈጥር ዝደሊ፡ እዚ ድማ ኣነባብራና፡ንከባብን እንስሳታትን ብዘይጎድእ መልክዑ ንክኸውን።

  • ብባህርያዊ ኣገባብን ኣብ ቀረባኻ ዝፈርዩን መግብታት ኣብ ምዝርጋሕ ኣስተዋጽኦ ምግባር
  • ንማያትን ባሕርታትን ካብ ዓሚቝ ዓሳ ምግፋፍን ካብ ዘድሊ ንላዕሊ ምጽማድ ዓሳታትን ደው ከም ዝብል ምግባር
  • ምክልኻል/ምክንኻን ገማግምና ኣብ ምሕያልን ነቶም ብሓባር እንጥቀመሎም ቦታታት ብዘይጎድእ መልክዑ ክኸውን ምግባር
  • ካብ ምብራዝ/ብከላ ናጻ ዝኾነ መጻኢ ምግባር
  • ምትዕጽፃፋት ሓለዋ ኣግራብ ምድጋፍ

እምነት መጻኢ
ቆልዑትን መንእሰያትን ውሑስ መጻእን ጽቡቕ ዝኾነ ናይ ናብራ ቅድመ ኵነታት ክህልዎም ምሕሳብ!ኵሎም ዝትግበሩ ስራሓት ከባብያዊ/ክሊማዊ ብከላ ንምክልኻል ዘተኰሩ ምዃን ኣሎዎም ! ብማዕርነትን ብዘይ ኣፈላላይን ምዕሩይን ሕብረተ-ሰብ እንተሃልዩ እዩ ኣካል ናይ ለውጢ ዝገብር።

  • ናይ ቆልዑትን መንእሰያትን ስክፍታታት ብግቡእ ኣቓልቦ ምሃብ
  • ደገፍ ንስነ-ኣእምሮኣዊ ጕድለት ጥዕና ንዘለዎም ቆልዑትን መንእሰያትን ምሕያል
  • ካብ ጸበብቲ ኣረኣእያታትን ድሑር ልምድታትን ናጻ ዝኾነ ሕብረተ-ሰብ ከምዝኸውን ምግባር
  • ዕድመ መረጽቲ ናብ 16 ዓመት ምውራድ
  • ንቆልዑትን መንእሰያትን ኣብ ዝምልከቱ ጕዳያት ምትሕብባር ምዕባይ

Nyheter på ämnesordet

Skåne, 27 juni 2024

Debattartikel: Sänk Skånetrafikens biljettpriser

Uppsala län, 22 juni 2024

Resenärer ska bemötas med respekt

Skåne, 14 juni 2024

Miljöpartiet vill sänka biljettpriserna hos Skånetrafiken

Kunde inte hitta några poster

Försök med en annan filtrering eller sökning.

Läs alla nyheter